Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ኣባላት ብሄራዊ ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ይዛተዩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣባላት ብሄራዊ ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ይዛተዩ ኣለዉ።

እቲ ኮሚሽን ካብ ዝጣየሽ ሓደ ዓመት ዝመልኦ እንትኸውን፥ ክሳብ ሐዚ ዝሰርሖም ስራሕቲ ዝምልከት ፀብፃብ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣቕሪቡ።

ዓቕሙ ንምጥንኻር ዓሊሙ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝተሰርሐ ኣብቲ ፀብፃብ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ንቐፃሊ ሰለስተ ዓመታት ዝኸውን ስትራቴጂክ ትልሚ ንምስንዳእ ይዳሎ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ እቲ ስራሕ ብዝበለፀ ንምፍፃም ዘኽእል ቀዋሚ ኮሚቴ ከምዝወደበ እውን ኣፍሊጡ።

እቲ ዝእከብ መረዳእታ ሚስጥራዊ ስለዝኾነ ዳታ ቤዝ ከምዘዳለወ ዝሓበረ እቲ ኮሚሽን፥ ምስ ዝተፈላለዩ ድጋፍ ወሃብቲ ዘለዎ ርክብ ከምዘጠናኸረ ድማ ተዛሪቦ።

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ዘተ፥ ብዘይካ ክልል ዓፋርን ሶማሌን ምስ ኩሎም ርእሳነ ምምሕዳራትን ኣባላት ካቢኔን ከምዝተዛተየ ገሊፁ።

ኣብ መጣየሺ ኣዋጅ እቲ ኮሚሽን ናይ ትርጉም ኣፈላላይ ዘምፅኡ ክፍተታት ንምምላእ ዘኽእል ደንቢ ይሰናዳእ ከምዘሎ ድማ ተሓቢሩ።

ብኣላዛር ታደለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.