Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ክሊ ኮቪድ-19 ብምድሃብ ብስልኪ ተዛቲዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ፥ እቲ ቫይረስ ንዘስዕቦ ምንጋዕ ኢኮኖሚን ማሕበራዊ ጉዳይን ብኣግባቡ ምላሽ ንምሃብ ብዘኽእል መልክዑን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእል ዛዕባን ከምዝተዛተዩ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ እቲ ዘተ ዝተጎድአ ኢኮኖሚ ንምምሕያሽ ዓሊምና ኣብ እንሰርሐሉ እዋን ምዃኑ ፅቡቕ ኢዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ብዋናነት ብዓለም ለኻዊ ትካል ገንዘብ፣ ባንኪ ዓለምን ሃገራት ጉጅለ 20ን ኣቢሉ ንኣፍሪካ ዝቐርብ ድጋፍ ምስ ዘተሓባብሩ ፕሬዚደንት ፑቲን ምዝታዮም ከምዘሐጎሶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ፌስ ቡክ ገፅ ፅሒፎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.