Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ፕሮጀክት ፍልፍል ሓይሊ ማይ ኮይሻ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ፕሮጀክት ፍልፍል ሓይሊ ማይ ኮይሻ ዑደት ገይሮም።

ኣብ ወሓዚ ሩባ ኦሞ ዝህነፅ ዘሎ እቲ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 37 ሚኢታዊ ህንፀቱ ምዝዛሙ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሓቢሮም።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ተጓቲቱ ከምዝነበረ ብምግላፅ፥ ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተዛሪቦም።

ኣብ ዓመት 6 ሺሕን 400 ጊጋዋት ኣወርስ መጠን ዘለዎ ሓይሊ ከፈልፍል ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ክሳብ ሐዚ ኣስታት 4 ሺሕ ዝኾኑ ሰባት ኣብቲ ፕሮጀክት ዕድል ስራሕ ዝረኸቡ እንትኾኑ፥ ህንፀቱ እንትዛዘም ንተወሰኽቲ ሰባት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብሪሆም።

እቲ ግድብ ምስ ፕሮጀክት ኮይሻ ተደሚሩ ነቲ ከባቢ ልዑል ረብሓ ከምዝህዕልዎ እውን ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.