Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ምምልኻዕ ሸገር ንዝተዋፈሩ ኣካላት አመስጊኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ምምልኻዕ ሸገር ንዝተዋፈሩ ኣካላት አመስጊኖም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፅ፥ ኣብ ፅባቐ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝለዓለ ለውጢ ንዝገበሩን ገንዘቦም፣ ጊዜኦምን ጉልበቶምን እንተይሰስዑ ንዝሓገዙን ውሑዳት ደፋራት ሰባት ዘይምምስጋን ኣይከኣልን ኢሎም።

እወንታዊ ውፅኢት ኣብ መወዳእታ ንክበፅሕ ውሑዳት ደፋራት ይደሊ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ዝድለ ውፅኢት ከምዝርከብ መተኣማመኒ እንተይሓዙ ብእምነት ዝጓዓዙ ውሑዳት ደፋራት ከምዘድሊዩ ድማ ሓቢሮም።

ተመሳሳሊ ስራሕቲ ኣብ ክልልት እውን ከምዝህሊ ብምሕባር፥ ካልኦት ሰባት ኣብቲ ጉጅለ ውሑዳት ደፋራት ንክሕወሱ/ንክኣትዉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.