Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ካብ ክልል ደቡብ ምስ ዝተውፃእፅኡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር  ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ክልል ደቡብ ምስ ዝተውፃእፅኡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ተዛትዮም።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተሳለጠ እቲ ዘተ፥ ልዕሊ 2 ሺሕ ዝኾኑ ተወከልቲ ተረኺቦም።

ካብ ኩለን ዞባታት እቲ ክልል ዝተውፅእፅኡ ሙሁራት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ተወከልቲ መናእሰይን ተሳተፍቲ ኮይኖም ኢዮም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ምስ መሰረተ ልምዓትን ብኽልል ምውዳብን ዝተትሓሓዙ ሕቶታት ነቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቕሪቦም።

ብተወሳኺ፥ ምስ መሰረት ልምዓት ተተሓሒዙ ፀገም መገዲ ከምዘሎ፣ እኹላት ትካላት ጥዕና ዘይምህላዎም፣ ሕፅረት ሰብ ሞያታት ጥዕናን መድሓኒትን ከምኡ እውን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘይብለን ዞባታት ንኽባፀሐለን ሓቲቶም።

እቶም ተሳተፍቲ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝፍጠሩ ዘለዉ ጎንፂታት ብቕልጡፍ ብምቕራፍ ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ክስራሕ ከምዘለዎ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ፥ ምስ ስእነት ሰላም ተተሓሒዞም ዝተልዓሉ ሕቶታት ብሓባር ተቐራሪብካ ብምዝርራብ ንምፍታሕ ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።

ምስ ሕፅረት መሰረተ ልምዓትን ስእነት ሰናይ ምምሕዳርን ተተሓሒዞም ንዝቐረቡ ሕቶታት ድማ፥ ሓንቲ ናይ ሓባር ኮሚቴ ተጣይሻ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘለዉ ፀገማት ብምፍላይ መፍትሒ ንምምፃእ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም።

ብኽልል ምውዳብ ብዝምልከት ኣብ ሓደ መድረኽ መልሲ ክወሃበሉ ዘይኽእል ሕቶ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ይኹን እምበር እቶም ሕቶታት ሓድነት ሃገርን ባህሊ ሓቢርካ ምንባርን ዜጋታት ብዘይጎድእ መልክዑ ኣብ ከይዲ መልሲ እናረኸቡ ክኸዱ ኢዮም ኢሎም።

ብኣልአዛር ታደለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.