Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣስመራ ኣምሪሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣስመራ ኣምሪሖም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምኡ እውን ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ሬዲዋን ሑሴንን ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣይተ ታገሰ ጫፎን  ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ እንትበፅሑ ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኣይተ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

እቶም መራሕቲ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያትን ቀጠናዊ ዛዕባታትን ትኹረት ብምግባር ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ ክብሉ ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣይተ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ገፆም ፅሒፎም።

ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣብ ወርሒ ሚያዚያ 2012 ዓ.ም ኣዲስ ኣበባ ምምፅኦም ይዝከር።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ፃንሒቶም፥ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልተኣዊ ርክባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣድሂቦም ተዛቲዮም ኢዮም።

ብተወሳኺ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ምክልኻል ኣብ ዝከኣለሉ መገዲ ሓዊሱ ብዛዕባ ዕስለ ኣምበጣ በረኻን ካልኦት ዞባዊ ጉዳያትን ብዝምልከት ልዝብ ከምዝገበሩ ይፍለጥ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.