Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ዙር መርሃ ግብሪ ተሃድሶን ምትካል እግሪን ዕጡቓት ህወሓት ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ዙር መርሃ ግብሪ ተሃድሶን ምትካል እግሪን ዕጡቓት ህወሓት ተጀሚሩ።

ኣብቲ መርሃ ገብሪ ዝተረኸቡ ተወካሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብርጋዴር ጀነራል ደርቤ መኩሪያ፥ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ኢትዮጵ ኣንፃራዊ ሰላም ነጊሱ ኢዩ ኢሎም።

“ዕጡቓት ነቲ ሰላም ተጠቒምኩም ናይ ባዕልኹም ናብራ ምቕያርን፣ ኣብ ልምዓት ምስታፍ፣ ዝተፈጠረ ሰላም ዘላቒ ክትገብሩ ይግባእ” ኢሎም።

መንግስቲ ምስ መዳርግቲ ልምዓት ብምትሕብባር ናብ ስሩዕ ህይወትኩም ንክትምለሱ ኣድላዪ ደገፍ ክገብር ኢዩ ኢሎም።

ተወካሊ ዕጡቓት ህወሓት ብርጋዴር ጀነራል ምግበይ ሃይለ ብግደኦም፥ መርሃ ግብሪ ተሃድሶ ብምዝዛም ናብ ሕብረተሰብ እንትትምለሱ ሓይሊ ሰላምን ልምዓትን ክትኮኑ ኣለኩም ኢሎም።

እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዝተመረፁ 10 ቦታታት ብተመሳሳሊ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.