Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ዙር ውድድር ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ብዝካየዱ ግጥማት ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ዙር ውድድር ኩዕሾ እግሪ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ብዝካየዱ ግጥማት ክጅመር ኢዩ።

ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ፀወታታት ካብ ምድብ ሓሙሽተ ክሳብ ምድብ ሸሞንተ ዘለዋ ጋንታታት ካብ 1 ሰዓትን 55 ደቒቕን ጀሚሚረን ውድድረን ከካይዳ ኢየን።

ኣቐዲሞም ኣብ ዝካየዱ ፀወታታት፥ ጋንታ ታት ዜኒት ሴንት ፒተርስ በርግ ምስ ክልብ ብሩዥ፣ ዳይናሞ ኬብ ምስ ጁቬንቱስ ሰዓት 1ን 55ን ከምዝራኸባ ተገሊፁ።

ምሸት ኣርባዕተ ሰዓት ድማ ካልኦት ትፅቢት ዝግበረሎም ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።

ካብ ምድብ ሓሙሽተ ጋንታ ቸልሲ ኣብ ሜዳኣ ንጋንታ ሲቪያ እንትትእንግድ ጋንታ ሬኔስ ድማ ንጋንታ ክራስኖዳር ክተተኣናግድ ኢያ።

ምስ ጋንታታት ዜኒትን ክልብ ብሩዥን ኣብ ምድብ ሽዱሽተ ዝተደልደላ ጋንታታት ላዚዮን ዶርትሙንድን ድማ ኣብ ስታዲየም ኦሎምፒክ ክራኸባ ኢየን።

ምስ ጋንታታት ጁቬንቱስን ዳይናሞኬብን ኣብ ምድባ ሸውዓተ ትርከብ ካታላናዊት ጋንታ ባርሴሎና ምስ ሃንጋሪያዊት ጋንታ ኤፍ ቲ ሲ ኣብ ስታዲየም ካምፕኑ ፀወታኣ ክተካይድ ኢያ።

ኣብ ናይ መወዳእታ ምድብ ምድብ ሸሞንተ ድማ፥ ፈረንሳዊት ጋንታ ፒ ኤስ ጂ ምስ እንግሊዛዊት ጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ፤ ጣልያናዊት ጋንታ ኣር ቢ ሌፕዚግ ምስ ቱርካዊት ጋንታ ኢስታንቡል ባሻክሸር ክጋጠማ ኢየን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.