Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ሰሜን ኮሪያ ንቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ 24 መስከረም 2014 ዓ.ም ሓዱሽ ምዕራፍ ዝጀመረትሉ ሓዱሽ መንግስቲ ምምስራታ ከምኡ እውን ዶክተር ኣቢይ ኣህመድ ዳግም ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኖም ምምራፆም ስዒቡ ብዙሓት ሃገራት መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም እናመሓላለፋ ይርከባ።

ካብ ሞንጎ እዚኣተን ድማ ሰሜን ኮሪያ ሓንቲ ኮይና ኣላ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ሰሜን ኮሪያ ኪም ቶክ ሁን ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዳግም ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኖም ብምምራፆም እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎምዎም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ ኣብ ዘበነ ስልጣኖም ኣብ ሃገር ልምዓት፣ ምዕባለን ሰላምን ንኽመፅእ ኣብ ዝገብሩዎ ፃዕሪ ዕዉት ንኽኸውን ተመኒዮም፡፡

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ክልተኣዊ ርክብ ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ እውን ኣብሪሆም።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሪ ሰን ግዎን ብግደኦም፥ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ብተመሳሳሊ ዳግም ብምምራፆም ሰናይ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ፍልፍል፦ ግዜኢ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.