Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ምስ ስድረኦም ብምዃን ፈልሲ ተኺሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ስድረኦምን ኣብ መነን ዝርብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ጎራዙ ተረኺቦም ምስ ተምሃሮ እቲ ቤት ትምህርቲ ፈልሲ ተኺሎም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 2 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዝዓለመ መርሃ ግብሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ከተማ እናተሳለጠ ይርከብ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምክትል ከንቲባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ሓዊሱ ብዙሓት ቤተሰብ ኩዕሾ እግሪን ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ተሳተፍቲ ይኾኑ ኣለዉ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ሓደ መዓልቲ 2 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መርሃ ግብሪ እናተሳተፉ ንዝርከቡ ዜጋታት ምስጋና ምቕራቦም ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.