Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ንመበል 1 ሺሕን 442 ጊዘ ዝኽበር ዘሎ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽልቲ፥ ሀዝበ ሙስሊም ወርሒ ሙሉእ ብፆምን ስግደትን ከምኡውን ብእወንታዊ ተግባራት ብምሕላፍ ካብ ፈጣሪ ናይ መወዳእታ “ምንዳ” ዝቕበለሉ ኢዩ ኢሎም።

ህዝበ ሙስሊም ተኣኪቡ ተኣኪቡ ስግደት ሶላት ዒድ ዝፍፅመሉ ምኽኒያት ኣብ ውሽጢ ምእካብ ሓድነት፣ ሕብረትን፣ ጥንካረ ከምዘሎ ንምርኣይ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

እቲ ሓደ ናይቲ ካሊእ ክፍተት ንምሽፋን ዕድል ዝረኽበሉ እውን ኣብ ውሽጢ ምእካብ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ሎሚ ዘበን ዝኽበር ዘሎ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብዙሓት ፈተናታት ከምዘንፀላለውዋ በምዝካር ኢዩ ኢሎም።

ኣብ መገድና ዕንቅፋት ዘቐምጡ፣ ንድሕሪት ዝጎቱ፣ ተሰቢርና ንክንወድቕ መሰረትና ዝሕግሕጉ ሓውልታት ውሽጢን ወፃኢን ዝመፅእሉ ፈታኒ እዋን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ይኹን እንበር ብፍቕሪ ንዝመፅእ ጋሻ ኣኽቢርና እንቕበል፣ ንዝስደት መፅለልቲ ብዛዕባ ምዃና ካብ ነብዩ መሓመድ (ሰዐወ)ን ሰዓብቶምን ዝተዘረበና ናይ ምስከር ቃል እኹል ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ “ፈተናታትና ዋላ ይብዝሑ ፀኒዕና ደው ንምባል ክንውስን ኣለና፤ ክፉእ እዋን ከም ዒድ ሶላት እክብ ኢልና ክንብድሆ፣ ናይ ሓድነትና ልክዕ ኣርኢና ክንሓልፎ ይግባእ” ኢሎም።

ዝገጥሙና ፈተናታት ካብ ምሕላፍ ብተወሳኺ ዕድል ኢትዮጵያ ብኣና እንበር ብኢድ ካሊእ ኣካል ከምዘይኮነ ንዓለም ክነርእይ ኣለና ክብሉ እውን ሓቢሮም።

ሐዚ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ንውልቅና እንተይኮነ ንናይ ሓባር ህልውናና ንክንሓስብ ዘገድድ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ብምኽኒያት ህንፀት ግድብ ህዳሰን ሃገራዊ ምርጫን ዘንፀላለዉ ፈተናታት ብምብዳህ ናብ ዓወት ክንልውጦም ኣለና ኢሎም።

ሕድሕድና ዝተፈላለዩ አምነታት ፖለቲካ ክህልዉና ይኽእሉ ኢዮም፤ ዘላትና ሃገርን ህዝብን ግን ሓደ ስለዝኾነ ነዚ ብሓባርን ሓድነትን ክነገልግልን ክንድግፍን ይግባእ ኢሎም።

ቀፃሊ ግዘና ብዛዕባ ሓድነት እንበር ብዛዕባ ምፍልላይ እንዝምረሉ ንከይኸውን ተስፋ ኣለኒ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ እቲ በዓል ናይ ሓጎስ፣ ተስፋን በረከትን ዒድ ንክኸውን ዘለዎም ትምኒት ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.