Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ንዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም አመስጊኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስሊ አመስጊኖም።

እቶም ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ድልየት ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝምልከት ንዝገበርዎ ሃናፂ ኣስተዋፅኦን ጭቡጥ ደገፍን ኢዮም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዘመስገኑ።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍፀሞ ስራሕ ዝነኣድን ተጠናኺሩ ክቕፅል ዝግበኦን ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምድሃብ ከምዝተዛተዩ ዝዝከር ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.