Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ንፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ቅሉዕ ደብዳበ ልኢኾም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊን ኣህጉራዊን ኩነታት ኣድሂቦም ንፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ቅሉዕ ደብዳበ ልኢኾም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ደብዳበኦም፥ “እዚ ደብዳቤ ኣብ ንፅሕፈሎም እዋን ጭካነ ብዝተመልኦ ተግባር ህወሓት ህፃናትን ኣዶታትን ሓዊሱ ብዙሓት ንፁሃን ዜጋታት ኣብ ስቓይ ይርከቡ” ኢሎም።

“እዚ ደብዳበ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ደቅና ኣብ ቀረባ እዋን ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሃገርና “ግብረ ራዕዲ” ኢልና ብዝፈረጅናዮ ውድብ መዝሐሊ ጥይት ኣብ ዝተገበሩሉ እዋን ኮይንና ዝፀሓፍናዮ ኢዩ” እውን ኢሎም።

ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ኣብ ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት፥ ካብ ኣሜሪካ ዝፅበየኦ ኣብ ውሽጣዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኢድ ዘይምእታውን ካብ ድሌት ውልቀ ሰባት ዝነፅሀ ምዃን ከምዝኾነ ኣብቲ ደብዳቤ ገሊፆም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ደብዳቤኦም ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ከልላት ኣምሓራን ዓፋርን ወራር ዝፈፀመ ህወሓት ኮነ ኢሉን ተሊሙን ብዝወሰዶ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ህፃናትን ኣደታትን ሓዊሱ ንባዕሎም ክከላኸሉ ዝኽእሉ ንፁሃን ዜጋታት ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ገይሩ ኢዩ።

“ስድረኦም ብግፍዒ ቀቲሉሎም ኢዩ፤ ገዝኦም ክፈርስን ህይወቶም ክመሰቓልን ገይሩ ኢዩ፤ ህፍቲን ንበረትን ሰሪቑ ኢዩ፤ ከም ኣቢያተ ትምህርቲን ትካላት ጥዕናን ዝበሉ ኣገልግሎት መውሀቢ ትካላት ኣዕንዩ ኢዩ” ኢሎም።

ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግብረ ራዕዲ ተባሂሉ ዝተፈረጀ ጉጅለ ህወሓት፥ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ህፃናት እንተይተረፈ ሲሳይ ኲናት ክኾኑ ኣብ ዓውደ ውግእ ክስለፉ እናገበሩዎም ከምዝኾነ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ደብዳበኦም ኣመልኪቶም።

እዚ ዓለም ለኸ ሕጊ ዝጥሕስ ተግባር ከምዝኾነ ፀሪሖም።

አብ ትግራይ ዝርከቡ ሃፃናትን መናእሰይን ኣብ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ከመዘለዉ ተምሃሮ ትምህርቶም ከይከታተሉን ሰላማዊ ህይወቶም ከይመርሑን፥ እቲ ጉጅለ ልዑል ማሕለኻ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ከም መናገዲ ከምዝጥቀመሎም ኣብቲ ደብዳበ ተመልኪቱ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.