Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ዘበነ ትምህርቲ 2013 ዓ.ም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ዘበነ ትምህርቲ 2013 ዓ.ም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ ካብ መዋእለ ህፃናት ክሳብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፤ ካብ ውልቀ ኣቢያተ ትምህርቲ ክሳብ መንግስታዊ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከቡ ተምሮ “ድሕሪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንዝተኸፈተ ዘበነ ትምህርቲ እንኳዕኣብፀሐኩም” ኢሎም።

ዓለም ለኻዊ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ናብ ኢትዮጵያ ምእታዉ ስዒቡ ዝተወሰደ ስጉምቲ ናይ ፅባሕ ተረከብቲ ሃገር ተምሃሮ ህይወት ንምድሓን ተሓሲቡ ከምዝኾነ ዝገለፁ ዶክተር ኣቢይ፥ ኣቢያተ ትምህርቲ ብቕልጡፍ ብምዕፃውን ካልኦት መከላኸሊ ስጉምቲታት ብምውሳድን እቲ ለበዳ ከስዕቦ ይኽእል ካብ ዝነበረ ሓደጋ ብዝለዓለ ብርኪ ምንካይ ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።

ኣብቲ እዋን ዓቕሚ ምክልኻል፣ ምምርማርን ምሕካምን ኢትዮጵያ ትሑት ከምዝነበረ ከምኡ እውን በቢእዋኑ ባህሪኡ ዝለዋወጥ እቲ ለበዳ ዝነበረ ፍልጠት ውሱን ከምዝነበረን ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ዝኾነ ይኹን ሸለልትነት ምርኣይ ከምዘይግባእ ኣብ ምርድዳእ ብምብፃሕ ኣቢያተ ትምህርቲ ክዕፀዉ ከምዝተወሰነ ኣገንዚቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ሰብ ሞያታት ሕክምናን ትካላት ጥዕናን ብዛዕባ እቲ ሕማም ዝሐሸ ሞያዊ ብቓዕተ ከምዘደንፍዑ፣ ዓቕሚ ምምርማር ከምዘዓበየ፣ ሕብረተሰብ እውን ብዛዕባ እቲ ሕማም እኹል ግንዛበ ከምዘማዕበለን ብቐሊሉ መከላኸሊ ኣቑሑት ምርካብ ከምዝተኸኣለን ገሊፆም።

ዓለም ለኸ ትካላት ትካላት ፅዕንቶ እቲ ለበዳ ሕማም ንዝተወሰኑ ዓመታት ክፀንሕ ከምዝኽእል ግምቶም ስለዘቐመጡ፣ ክታበትን መድሓኒትን ንምርካብ ዝግበር ምርምር እናቐፀለ ምዃኑን ኣብዚ እዋን ክርከብ ኢዩ ኢልካ ንምትምባይ ኣፀጋሚ ስለዝኾነን ዓለም ንባዕላ ካብ ቫይረስኮሮና እናኸላኸለት ምንቅስቓሳ ክትቅፅ ናይግድን ምዃኑ ተረጋጊፁ ኢዩ ኢሎም።

እዞም ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ኣቢያተ ትምህርቲ ካብዚ ንላዕሊ ተዓፂየን ክፀንሓ ከምዘይግባእ ብምግንዛብን ጥንቃቐ ብምግባር ማሕበራዊ፣ ኦኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ምንቅስቓሳት ክቕፅሉ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ከምዝተኣመነሉ እውን ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ “ኣድላዪ ጥንቃቐ ብምግባር ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ምጅማር ከምዝግበእ ተገንዚብና ኢና” ኢሎም።

ኣቢያተ ትምህርቲ ኣድለይቲ ዝኾኑ ኣቑሑት መሐለዊ ፅሬት፣ መሕፀቢን መናሂን ቦታታትን ርሕቐት ሓሊዮም ክመሃሩሎም ዝኽእሉ መምሀሪ ክፍሊታት ንኸማልኡን ኣናተገበረ ከምዝኾነ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም ኣፍሊጦም።

ተምሃሮ ንባዕሎም ካብ ቫይረስኮሮና እናተኸላኸሉ ትምህርቶም ብኣግባቡ ክከታተሉ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ካብ ተምሃሮ ብተወሳኺ ወለዲ፣ መምህራን፣ ምምሕራት ኣቢያተ ትምህርቲ፣ ሰብ ሞያታት ጥዕናን ኣካላት ፀፅታን ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ መልእኽቲ ሓደራ ኣመሓላሊፎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.