Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ መበል 1 ሺሕን 496 በዓል ልደት ነብዩ መሓመድ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒሰስትር ኣቢይ ኣሕመድ መበል 1 ሺሕን 496 በዓል ልደት ነብዩ መሓመድ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እንኳን ለ1496 ኛው የመውሊድ በዓል በሰላም አደረሳችሁ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ በዓል መውሊድ ኣላህ ብነቢዩ መሓመድ (ሰ.ዓ.ወ) ኣቢሉ ንዓለም ዝሃቦ በረከት ዝሐሰበሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።

“በዓል መውሊድ ፈጣሪ ንደቂ ሰባት እንታይ ሃቦም? ፈጣሪ ኸ ካብ ሰባት እንታይ ይደሊ? ዝብል ሕቶ ንዝክረሉ፤ እዚ ድ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ዝግለፀሉ በዓል ኢዩ” ኢሎም።

በዓል መውሊድ እንትኽበር ደቂ ሰባት ንኻልኦት ደቂ ሰባት እናገበሩዎ ዝርከቡ እዝኒ ምዝካር ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ነቢይ መሓመድ ዝገበሩዎ ኩሉ ንካልኦት ሰባት ናፃ ዘውፅእ፣ ዝልውጥን ናብ ዝሐሸ ህይወት ዝመርሕን ከምዝኾነ ዝገለፁ ዶክተር ኣቢይ ኣብ መልእኽም፥ ኣብዚ እዋን እንዝክሮም ካብ ኣላህ ተላኢኾም ንደቂ ሰባት ዝፈፀሙዎ ሰናይ ናይ ልኡኽ ኣገልግሎት ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

“መውሊድ ኣነባብራን ኣተሓሳስባን ኣነባብራንዝለወጠ ሰናይ ኣገልግሎት ከምዝሕሰበሉ እውን ኢዩ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ህዝቢ ብድምፁ ዘምፀኦ ሓዱሽ መንግስቲን መንግስቲ ዘጣየሾ ሓዱሽ ምምሕዳርን ታሪኽን ማሕበረሰብን ዝልውጡ ኣገልግሎታት ከምዘድሊዩዎ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ዘጋጠሙዋ ሰለስተ ፈተናታት ብቕልጡፍ ፈቲሕና ናብ ንደልዮ ምዕራፍ ምዕባለ ንምብፃሕ እቲ ቁልፊ ብመስዋእትነት ዝግለፅ ሰናይ ተግባር ምሃብ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ውሽጣዊ ፀላእቲ ሃገር ብቕልጡፍ ብምስዓር ሓያልነት ኢትዮጵያ ምርግጋፅ፣ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ዘጋጠመ ፈተና ሓቂን ጥበብን ሒዝካ ምስዓር፣ ናህሪ ዕዳጋ ህዝቢ ብዕዙዝ ክእለት ኣመራርሓ ምምሕያሽ ቀፂልካ ድማ ምፍታሕ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ናይዚ ዓመት በዓል መውሊድ እንትኽበር፥ ‹ብመስዋእትነት ዝተዓጀበ፤ ህዝቢ ዝልውጥ ሰናይ ኣገልግሎት ምሃብ› ዝብል ዋና መግለፂ መውሊድ ብምሕሳብ ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ ኢትዮጵያ ክብሪታት መውሊድ ኣዚዩ ዘድልየሉ እዋን ከምትርከብ ብምዝኽኻር፤ ንመላእ ህዝበ ሙስሊም ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

ጥቅምት 7፣ 2014 ዓ.ም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.