Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ሴናተር ጂሚ ኢንሆፍ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ተዛተዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ሴናተር ጂሚ ኢንሆፍ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ተዛተዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሰብኣዊ ደገፍ ዘቕርባ ትካላት ኣብ ትግራይ ብምንቅስቓስ ደገፍ ንክገብራ መንግስቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

መንግስቲ እብቲ ክልል እቕርቦት ሰብኣዊ ደገፍ ንክጠናኸር ብቑርፀኝነት ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ኣፍሊጦም።

እቶም ሴናተር፥ ትግራይ ንዓለም ለኻዊ ትካላት ኣቕረብቲ ሰብኣዊ ደገፍ ክፍቲ ምግባሩ ፅቡቕ ኢዩ ኢሎም።

እዚ እውን እቲ ክልል ንክረጋጋዕን ግልፀኝነት ንክህሊን ልዑል ግደ ክህልዎ ኢዩ ኢሎም።

ሴናተር ጂሚ ኢንሆፍ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅኡ ጀሚሮም ብዙሓት ውጢታት ምፅኡ ከምዘለዉ ገሊፆም።

እቲ ቀጠና ንክረጋጋዕን ምዕባለ ንክረጋገፅን ምስርሖም ከምዝቕፅሉ ምሉእ ተስፋ ከምዘዎም ታሪቦም።

እቶም ሴናተርን  ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ አሕመድን ብቐረባ ምዝታዮም ከምዝቕፅሉ እውን ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.