Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ጥምቀጥ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ጥምቀጥ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ “በዓል ጥምቀት እንትነኽብር ክልተ ነገራት እንዝክረሉ፤ ንሳቶም እውን በዓል ጥሕትናን ለውጢን ኢዮም” ኢሎም።

ናይ ጥምቀት ስራሕ ኣብ ልደት፣ ናይ ሆሳእና ስራሕ ኣብ ጥምቀት፣ ስራሕ ትንሳኤ እውን ኣብ መዓልቲ ስቕለት ኣይስራሕን፤ ክርስቶስ ዘምሀረና ኩሉ ኣብ እዋኑ ምስራሕ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ኩሉ ስራሕ ዝስረሐሉ ትኽክለኛ ግዘ ከምዘለዎን እቲ እዋን  እንትበፅሕ ድማ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ጠጠው ኣየብሎን” ኢሎም።

በዓል ጥምቀት በዓል ለውጢ ከምዝኾነ ዝገለፁ ዶክተር ኣቢይ፥ ኣብ ታሪኽ ወዲሰብ ዓለም ብማይ ጠፊኣ ከምዝነበረትን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዮርዳኖስ እንትጥመቕ ንጥፍኣት ዝወዓለ ማይ ንድሕነት፣ ንመቕሰፍቲ ዝወዓ ማይ ንበረከት ገይሩ ለዊጡዎ ኢዩ፤ ተፈጥሮ ማይ ዘይኮነስ ኣገልግሎትን ታሪኽን ማይ ኢዩ ቀዪሩኢሎም።

ካብዚ ድማ ዓቢዪ ትምህርቲ ምውሳድ ከምዝግባእ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ሃገርና ንጥፍኣት ዝወዓሉ ብዙሓት መሳርሒታት ናብ ድሕንነት ህዝቢ፣ ሓድነት ሃገር፣ ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ሰባትን ምዕባለ ኢትዮጵያን ከምፅኡ ገይርና ክንልውጦም ይግባእ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

“ክርስቶስ ካብ ምውላዱ ጀሚሩ ክሳብ ጥምቀቱን ስቕለቱ፣ ትንሳኤኡን ዕርገቱን ኣብ ዘሎ ከይዲ፥ ተስፍኡ እናተፀበዩ ንዝነበሩ ኩሎም ናይ ዘበናት ዕዳ ደቂ ሰባት ዘብቀዐሉ እዋን እናተቓረበ ምምፅ ዝሕብር ኢዩ ነይሩ፤ ክርስቶስ ኣብ ሕድሕድ ምዕራፍ ዝፈፀሞም ተግባራት፤ ናይ ኣዳም ንዘበናት ዝተፀበዮም ተስፋ ምድሓን ዘለምለሙ፣ ፀላኢ ዲያብሎስ ዝሰዓረሉ ስለዝኾኑ ንኩሎም ደቂ ሰባት ዓበይቲ ብስራትን ሓጎስን ዝፈጠሩን ኢዮም” ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ እውን ንዘበናት ዝፈተኑዋ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተሰዓሩን ብሩህ ተስፋኣ እናበዝሐላን ስለዝኾነ ሓጎስ ከምዝስመዖምን ነዚ ሓጎስ ዝተሓፀየ ኩሉ ክሳብ መወዳእታ ብፅንዓት ክጓዓዝ ይግባእ እውን ኢሎም።

ጥምቀቱን ስቕለቱን ንህዝቢ ክርስቲያን በሪታት ጉዕዞ ምድሓን ከምዝኾኑ፥ ከም ሃገር ኣብ ንገብሮ ጉዕዞ ዴሞክራሲ ኣብ ቅድሜና ዝፅበየና መረፃ ብዓወት እንተዛዚምናዮ ሓደ በሪ ተስፋና ስለዝኾነ፤ ኩልና ፅቡቕ ምድላው ገይርና ብዓወት ክንሳገሮ ይግባእ ኢሎም፡፡

በዓል ጥምቀት እንትነኽብር ቅንዕና ብምልባስ፣ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝተጎድኡ ወወገናት ብትሕትና እናረአና፣ ዝተፀገሙ ሰባት ብምሕጋዝ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

እቲ በዓል፥ መገዲታት መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ብምትግባር ክኽበር ከምዝግባእ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም ኣተሓሳሲቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.