Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ብኣገልግሎት ማሕበረሰብ ዝሰልጠኑ 10 ሺሕ ወለንታውያን መናእሰይ መሪቖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብኣገልግሎት ማሕበረሰብ ዝሰልጠኑ 10 ሺሕ ወለንታውያን መናእሰይ መሪቖም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ሐዚ ዘሎ ትውልዲ ብነፃ ምሃብ እንተለሚዱ ኢትዮጵያ ብዙሓት ተምሳሌት ዝኾንዋ ክትረክብ ኢያ ኢሎም።
ወለንታዊ ኣገልግሎት ብምሃብ ዓንዲ ሑቐ ኢትዮጵያ ንምዃን ንዝተዳለዉ መናእሰይ ናእደኦም ገሊፆም።
“ካብ መንጎ 100 ሚሊየን ብናፃ ዝተውሃብኩሙና ስለ ዝኾንኩም ልዑል ክብሪ ይስመዐና” እውን ኢሎም።
ዝማዕበላ ሃገራት ብናፃ ዘገልግሉ ዜጋታት ከምዘለውወን ብምግላፅ፥ ብናፃ ኣገልግሎት ዝህቡ ዜጋታት ሃገሮም ምህናፅ ክኢሎም ኢዮም ኢሎም።
ብናፃ ዘገልግሉ መናእሰይ ካብ ስንፍና ንምርሓቕ ድሉዋት ከምዝኾኑ ዘርእይ ኢዩ እውን ኢሎም።
እቶም መናእሰይ እቲ ኣገልግሎት ምሃብ ዘኽእሎም ን45 መዓልታት ስልጠና ዝወሰዱ ኢዮም።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.