Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣስመራ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣስመራ ኣቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኣስመራ ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ከካይዱ ኢዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልቲኣውን ቀጠናውን ዛዕባታት ብምድሃብ ክዛዩ ኢዮም ተባሂሉ።

ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ዝምራሕ ጉጅለ ልእኽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ እንትበፅሑ  ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝገበሩሙሎም ሚንስትር ዜና ኣታ ሃገር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ገፅ ገሊፆም።

ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ዝተመርሐ ጉጅለ ልእኽ፥ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ዶክተር ቀናኣ ያደታን ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብርሃም በላይን ዘለውዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.