Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሙዚየም ቢላሉል ሓበሺ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሙዚየም ቢላሉል ሓበሺ ዑደት ገይሮም።

እቲ ሙዚየም ታሪኽን ሓድጊታትን እስላም ዘፋልጥ ኢዩ።

ኣብ ውሽጢ እቲ ሙዚየም ድማ እስልምና ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ኣትሒዙ ዘለዉ ታሪኻት ተዋዲዶም ተቐሚጦም ይርከቡ።

ካብ ዝፀሓፉ ነዊሕ ኣማውቲ ዘቑፀሩ ቁርዓናትን ኪታባትን እውን ይርከቡዎ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ታሪኽ ኢትዮጵያ ክፋለጥ ኣብ ምግባር ብስፍሓት ክስራሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣብ መዓልቲ በዓል ዒድ ኣል-ፈጥር ኣብቲ ሙዚየም ዑደት ምግባሮም፥ ዓቢዪ ሓጎስ ከምዝፈጠረሎም መስረትቲ እቲ ሙዚየም ገሊፆም።

ብኣልኣዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.