Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ከይዲ ህንፀት ብሄራዊ ስታዲየም ጎብኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ከይዲ ህንፀት ብሄራዊ ስታዲየም ሎሚ መዓልቲ ተዘዋዊሮም ዑደት ገይሮም።

ኣብ እዋን እቲ ዑደት ሓፈሻዊ ከይዲ ህንፀትን ዘጋጠሙ ፀጋማትን እቲ ስታዲየም ዝምልከት ብማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣማኻሪ እቲ ትካል ዶ/ር ኢንጅነር መሰለ ሃይሌን ከይዲ ህንፀት እቲ ስታዲየም ዝከታተሉ ኣይተ ኣስመራ ግዛውን ነቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መብርሂ ሂቦምዎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ብግደኦም፥ መንግስቲ እቲ ስታዲየም ብቕልጡፍ ንኽኽዝም ዘጋጠሙ ፀገማት ከምዝፍትሑ ብምግላፅ ህንፀቱ ኣብ ሓፂር እዋን ፅቱ ሓሊዩ ንኽዛዘምን ንኣገልግሎት ድሉው ንኽኸውንን መምሒ ስራሕ ሂቦም።

ኣብቲ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ብመዓርግ ርእሰ ምሕዳር መተሓባበሪ ክላስተር ልምዓት ከተማ ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ፣ ሚኒስትር ዲኤታ ባህሊን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነትን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.