Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ መዛዘሚ ኣኼባ ፓርቲ ብልፅግና ክልል ኣምሓራ ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መዛዘሚ ኣብ ከተማ ባህርዳር እናተሳለጠ ዝነበረ ኣኼባ ፓርቲ ብልፅግና ክልል ኣምሓራ ተረኺቦም።

ላዕለዎት ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ኣምሓራ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊን ክልላዊን ዛዕባታት ኣድሂቡ ኣብ ከተማ ባህርዳር ንክልተ መዓልቲታ ኣኼባ ከካይድ ፀኒሑ ኢዩ።

እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ከይዲ ለውጢ ዝተመዝገቡ ውፅኢታትን ዘጋጠሙ ማሕለኻታትን ብምፍላይ ናይ መፍትሒ ስጉምቲ ንምቕማጥ ዝዓለመ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኣብ መዛዘሚ እቲ ኣኼባ ክርከቡ ምኽኣሎም ከምጐሶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ፅሒፎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.