Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ከይዲ ኣወሃህባ ድምፂ ብሰላም ብምዝዛሙ መልእኽቲ እነኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ከይዲ ኣወሃህባ ድምፂ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ብሰላም ብምዝዛሙ መልእኽቲ እነኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ሎሚ መዓልቲ ንመላእ ኢትዮጵያውያን ዓባይ መዓልቲ ኢያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ንዘበናት ዴሞክራሲያዊ ንምክያድ እናናፈቕና ነይርና ሎሚ ግዚኡ ኣኺሉ ፈፂምናዮ ኢሎም።

ዴሞክራሲ ንኢትዮጵያ ትምኒት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣካል ታሪኻ ከምዝኾ ኣብ ቅድሚ ዓለም ብግልፂ ኣርኢና፣ ንዝኾነ ይኹን ኣካል ዘይውግን ዘይሻራዊ ቦርድ መረፃ ተጣይሹ፣ ኣብ ሓፂ እዋን ተኣማኒን ፍትሓዊን ዝኾነ መረፃ ተኻይዱ ብዓወት ከምዝተዛዘመ፥ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም።

“ካብ ሕዚ ንደሓር ኣብቲ መረፃ ዝዕወት ዝኾነ ይኹን፣ ሎሚ መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ወፂኦም ይውክለና ዝብሉዎ ሰብ እንተይፈርሑን እንተይተሸቑረሩን ብምምራፆም ኢትዮጵያ ሰዓሪት ኮይና ኢያ” ኢሎም፡፡

ብኣፀጋሚ ኩነታት ትሕለፍ እምበር ኣብቲ ታሪኻዊ መዓልቲ ተዓዋቲት ክትከውን ስለዝኸኣለት እንኳ ደስ በለና” ክብሉ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ንህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ንተናሓናሕቲ ፓርቲታት፣ ንኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን ቦርድ መረፃ፣ ንሚዲያታት፣ ተዓዘብቲ፣ ሲቪክ ማሕበራትን መሓዙት ኣካላትን፣ ንኣካላት ፀፅታን ድሕንነትን መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።

ንተናሓናሕቲ ፓርቲታት ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ እቲ መረፃ ብሰላም ንኽዛዘም ግደ ፓርቲታት ፖለቲካ ዕዙዝ ከምዝነበረ፣ ፅዕንቶታት እንተጋጥሙዎም እናፃወሩን ስሕተታት ክእረሙ ብምግባርን መረፃ ሃገራዊ ፀገማት ንምፍታሕ ሓደ መገዲ ኢዩ ብምባል ኣብ ዴሞክራሲያዊ ጅማሮ ሰረት ብምንባሮም ምስጋና ኣቕሪቦምሎም።

በምርጫው የትኛውም ፓርቲ ቢያሸንፍ፣ ሂደቱ ዴሞክራሲያዊና ሰላማዊ ሆኖ መጠናቀቁ በራሱ ከአንድ የምርጫ ዙር አሸናፊነት በላይ ነው፡፡ ይህም የዴሞከራሲ ልምምዳችንን አንድ ርምጃ ወደ ፊት የሚያስኬድ ስለሆነ ለሀገራችን ትልቅ ትርጉም ያለው ተግባር ነው፡፡

ኣብቲ መረፃ ዝተዓወተ ይተዓወት፥ ከይዲ መረፃ ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ኮይኑ ምዝዛሙ ንባዕሉ ካብ ዓወት ንላዕሊ ስለዝኾነ ዓቢዪ ትርጉም ዘለዎ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ንሰራሕተኛታትን ኣመራርሓታትን ቦርድ መረፃ ኣብ ዘሕለፉዎ መልእኽቲ ድማ ታሪኻዊ ዝኾነ መረፃ ንምክያድ ዘጋጠሙ ማሕለኻታት ብምፅዋር፣ ቅድሚ ሕዚ ዘይነበረ ልምዲ ብምትእትታው፣ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ብማዕረ ዓይኒ ብምርኣይን ግልፂ ኣሰራርሓ ብምዝርጋሕን ግልፂ፣ ተኣማኒ፣ ንኽኸውን ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከቱ ኣብሪሆም።

ኣካላት ፀፅታ ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ዝለዓሉ ጎንፂታት ብምህዳእ፣ ሰላም ድሕንነትን ዜጋታት ክኽበር ብምግባር፣ ህዝቢ ሰላም ተሰሚዑዎ ንኽመርፅ ቀትሪን ለይቲን ብምስራሕ ኣስተዋፅኦ ከምዝገበሩ ዝሓበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ኢትዮጵያ ሉኣላውነታ ተሓሊዩ ሉኣላዊ ስልጣን ህዝባ ንምርግጋፅ ዝኸፈሉዎ መስዋእትነት ኣብ ታሪኽ ዝዝከር ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ድምፂ ተቖፂሩ ክሳብ ዝዛዘም ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ሰላማዊ ከይዲ ንኽቕፅል ፀዊዖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.