Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ካርድ መረፃ ዘይወሰዱ መረፅቲ ዝተረፉ መመዝገቢ መዓልቲታት ንኽጥቀሙ ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ቀ/ሚ ኣቢይ ካርድ መረፃ ዘይወሰዱ መረፅቲ ዝተረፉ መመዝገቢ መዓልቲታት ንኽጥቀሙ ፀዊዖም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም፥ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ድምፂ ንመሃብ ካርድ መረፃ ንዝወሰዱ ሰባት ንኢዶም፡፡

ኣብዚ ዓመት ዝካየድ መረፃ ድምፂ ንመሃብ ዝተመዝገቡ ሰባት ቁፅሮም፤ ኣብ 5ይ ሃገራዊ መረፃ ካብ ዝተመዝገቡ ሰባት ቁፅሪ ዝዛየደ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

“ሕዚ እውን ምዝገባ ንኽዛዘም ውሑዳት መዓልቲታት ተሪፎም ኣለዉ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ዘይተመዝገቡ ሰባት ፅባሕ መዘሰሎም ዝውስኑሉ ዕድል ንኽጥቀሙ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.