Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ፕሮጀክት ህንፀት መንገዲ ኮንክሪት ኣስፋልት ሃይቅ- ቢስቲማ – ጭፍራ ብዕሊ ኣጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ፕሮጀክት ህንፀት መንገዲ ኮንክሪት ኣስፋልት ሃይቅ- ቢስቲማ – ጭፍራ ብዕሊ ኣጀሚሮም።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዘጀመሩዎ ፕሮጀክት ህንፀት መገዲ፥ 74 ነጥቢ 3 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ኣለዎ።

ልዕሊ ብር 2 ነጥቢ 1 ቢሊየን ወፃኢ ከምዝሓትት እውን ተገሊፁ።
ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ክዛዘም ኢዩ ዝብል ፅፅቢት ዝግበረሉ እንትኸውን፥ ንዓማውቲ ዝፀንሐ ሕቶ ልምዓት ህዝቢ ብምምላስ ኣብ ሃገራዊ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ና ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት ተሓቢሩ።

ህንፀት እቲ መንገዲ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ፓወርኮንን ኣሰር ኮንስትራክሽንን ብሓባር ብዃን ዝሳለጥ ኮይኑ፤ ሙሉእ ወፃኢኡ ድማ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሽፈን ኢዩ።

እቲ መገዲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብብርኪ ፀፀር ኣገልግሎት እናሃበ እንትኸውን፥ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘራኽብ ኢዩ ተባሂሉ።

ውዕሊ ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ኣብ ወርሒ ሓምለ 2012 ዓ.ም ከምዝተፈረመ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.