Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኮሪያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኮሪያ ሙን ጄ ኢን ተዛቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ደቡብ ኮሪያ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ጉድኣት ከየብፅሕ ዝገበረቶ ዕዉት ስራሕ፤ ዝርገሐ ናይቲ ለበዳ ብኸመይ ምዕጋት ከምዝከኣል ኣብነታዊት ሃገር ምዃና ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ተሞክሮ ደቡብ ኮሪያ ብኸመይ ክጥቀመሎም ከምትኽእል ከምኡ እውን እታ ሃገር ኣድለይቲ መሳርሒታት ሕክምና ንኢትዮጵያ ሓገዝ ትገብረሉ ጉዳያት ብዝምልከት ምዝታዮም፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ፅሒፎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.