Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ኢሳይያስ ኣብ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ግልገል ግቤ 3 ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ኣብ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ግልገል ግቤ 3 ዑደት ኣካይዶም።
ኣብቲ ከባቢ ዝህነፅ ዘሎ ፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ኣካል ናይ ዝኾነ ህንፀት ሰብ ስራሕ ሩባ ርእዮም።
ብተወሳኺ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ዳውሮ ዝርከብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ጎብኒዮም።
ብመሰረት እዚ ኣብ ዞባ ዳውሮን ፍሉይ ወረዳ ኮንታ ክሳብ ኬላ ንጉስ ሃላላ ዝርከብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዑደት ተገይሩ።
ብዛዕባ እቲ ፕሮጀክት ንፕሬዚዳንት ኢሳይያስ መብርሂ ከምዝተውሃቦም እውን ተሓቢሩ።
ፕሬዚዳንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ሎሚ መዓልቲ ናብ ኢትዮጵያ ምምፅኦም ይፍለጥ።
ብመሰረት እዚ ሎሚ ንጎሆ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጅማ ኣብ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ዑደት ኣካይዶም ኢዮም።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.