Fana: At a Speed of Life!

ቅንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ብዝበፅሐ ምጥፋእ ህይወት ሰባት፣ ጉድኣት ኣካልን ምዕናው ንብረትን ገበን ዝተጠርጠሩ 1 ሺሕን 168 ሰባት ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ቅንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ሰነ 23፣ 24 2012 ዓ.ም ኣብ 10 ወረዳታት ብዝበፅሐ ምጥፋእ ህይወት ሰባት፣ ጉድኣት ኣካልን ምዕናው ንብረትን ገበን ዝተጠርጠሩ 1 ሺሕን 168 ሰባት ትማሊ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

ካብቶም ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ተጠርጠርቲ እቶም 198 ሰባት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉ እንትኾኑ፥ ልዕሊ 10 ሰባት ድማ ኣብቲ እዋን ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ብግቡእ ብዘይምስርሖም ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉ ኣካላት ፀፅታ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ቅንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ሰነ 23፣ 24 2012 ዓ.ም ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣሩሲ ከተማን ወረዳን ኣርሲ ነገሌን ዶዶላን፣  ሻሻመኔ፣ ኮፈሌ፣ ኣዳባ ፣ ዶዶላ፣ ሻላ፣ ቆሬን አሳሳን ብዝተፈጠረ ሁውከትን ናዕቢን ምጥፋእ ህይወት ሰባት፣ ጉድኣት ኣካልን ምዕናው ንብረትን ምግጣሙ ይዝከር።

ስለዝኾነ 970 ሓደሽቲ ተጠርጠርቲን 198 ተወሰኽቲ ተጠርጠርቲን ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉ እንትኾኑ፥ ትማሊ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

መርማሪ ፖሊስ ኣብቶም ተጠርጠርቲ ዝገበሮ ሓዱሽ ስራሕቲ ምርመራ ዕላዊ ገይሩ።

ብመሰረት እዚ ኣብቲ ዝተፈፀመ ገበን ኣብ ልዕሊ 434 ተጠርጠርቲ ምስክር ቃል ከምዝተቐበለ ገሊፁ።

ብሰብ ሞያ ብመሰረት ዝተገበረ ግምት ጉድኣትን ዕንወት ንብረትን 32 ሆቴላት፣ 17 ቤት መደቀሲ፣ 113 መንበሪታት ከምዝተቓፀሉ ፖሊስ ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ 37 ኣብያተ ምግቢ፣ 215 መንበሪ ኣባይቲ፣ 9 እንዳ መጥሓን፣ 85 ሹቓት ጉድኣት ከምዝበፅሐ ዝገለፀ መርማሪ ፖሊስ፥ 47 ሹቓት እውን ከምዝተባርዑ ኣብሪሁ።

67 ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ከምዝዓነዉን 3 ድማ ከምዝተቓፀሉን እውን ብምዝራብ፥ 1 ትካል ሃይማኖት፣ 2 ፋብሪካታት ሕሩጭ፣ 2 መከፋፈልቲ መስተን 5 ፎቓትን እውን ጉድኣት ከምዝበፅሖም ገሊፁ።

ብተወሳኺ 15 ናይ ወልቀ ተሽከርከርቲ ዝተቓፀላ እንትኾና፥ 16 ተሽከርከርቲ ድማ ጉድኣት ከምዝበፅሐን ተሓቢሩ።

ህይወት 16 ሰባት ከምዝሓለፈን ልዕሊ 60 ሰባት ድማ ጉድኣት ኣካል ከምዝበፅሐን መርማሪ ፖሊስ ኣረዲኡ።

ምስክርነት ንምቕባልን ተወሳኺ መረዳእታ ንምእካብን 14 ተወሰኽቲ መዓልታት ንክወሃቦ ዝሓተተ እቲ መርማሪ ፖሊስ፥ እቶም ተጠርጠርቲ ተወሳኺ ግዘ ክወሃብ ኣይግባእን፤ መሰል ዋሕስ ይፈቐደልና ክብሉ ሕቶ ኣቕሪቦም።

ኣብያተ ፍርዲ ወረዳ ምርመራ መርማሪ ፖሊስ ብፅቡቕ ከምዝተፈፀመ ኣብ መዝገብ ምርመራ ብምርግጋፅ 14 ተወሰኽቲ መዓልታት ምርመራ ፈቒዶም።

ብተወሳኺ እቲ ቤት ፍርዲ 189 ሓደሽቲ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ዝቐረቡ ተጠርጠርቲ መርማሪ ፖሊስ ተወሳኺ ምርመራ ዛዚሙ ንክቐርብ 14 መዓልታት ፈቒዱ።

ኣብቲ ዕለት ኣብ ዝተፈፀመ ገበን ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ብግቡእ ብዘይምስርሖም ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉ 10 ኣካላት ፀፅታ ተወሳኺ ምርመራ ንምግባር ዝተሓተተ 14 መዓልታት ብምፍቃድ ውፅኢት ንምርካብ ን11 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ተዋሂቡ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.