Fana: At a Speed of Life!

ቅድሚ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ ዝኾነ ይኹን ምዝገባ ተምሃሮ ምክያድ ኣይከኣልን – ሚኒስቴር ትምህቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ቅድሚ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ ዝኾነ ይኹን ምዝገባ ተምሃሮ ዘበነ ትምህርቲ 2013 ዓ.ም ምክያድ ከምዘይከኣል ሚኒስቴር ትምህቲ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ከምዝሓበሮ፥ ዝተወሰና ናይ ውልቀ ኣቢያተ ትምህርቲ ምዝገባ ተምሃሮ ንምግባር ንወለዲ እናገደዳ ከምዝኾናን ምዝገባ እናካየዳ ምዃነንን ተፈሊጡ ኣሎ።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ሚኒስቴር ትምህርቲ ወይዘሮ ሃረጓ ማሞ፥ ቅድሚ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ 2012 ዓ.ም ዝኾነ ይኹን ቤት ትምህርቲ ምዝገባ ምክያድ ከምዘይኽእል ተዛሪበን።

ነዚ ውሳነ ተመሓላሊፈን ምዝገባ ኣብ ልዕሊ ዘካይዳ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣድላዪ ስጉምቲ ከምዝውሰድ እውን እተን ዳይሬክተር ኣተሓሳሲበን።

ሰሌዳ ምዝገባ ንኽናዋሕ ዝተደለየሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ምስፍሕፍሑ ስዒቡ ወለዲን ተምሃሮን ናብ ቤት ትምህርቲ ዝገብሩዎ ጉዕዞ ብምዕጋት ዝርገሐ ናይቲ ቫይረስ ንምንካይ ዝዓለመ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ወለዲ ብግደኦም መንግስቲ ትምህርቲ ንኽጅመር እንተፍልጥ ጥራሕ ተግባራዊ ዝግበር ምዃኑ ፈሊጦም ንደቆም ኣብ ኢዶም ዝርከቡ መሳርሒታት ትምህርቲ ተጠቒሞም ንኸፅንዑ ሓገዝ ክገብሩሎም ከምዝግባእ ምግላፀን ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.