Fana: At a Speed of Life!

ቅፅዓት ትራፊክ ብሞባይል ንምኽፋል ዝሕግዝ መተግበሪ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤጀንሲ ማኔጅመንት ትራፊክ ኣዲስ ኣበባ ቅፅዓት ትራፊክ ብሞባይል ንምኽፋል ዝሕግዝ መተግበሪ ዕላዊ ገይሩ።

እቲ መተግበሪ ኣወሃህባ ግልጋሎት ዝተሳለጠ ብምግባር ኣሽከርከርቲ ካብ ምንግልታዕ ዘድሕን ከምዝኾነ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኢንጂነር ጅሬኛ ሄርጳ ተዛሪቦም፡፡

እቲ መተግበሪ፥ ደምቢ ትራፊክ ተመሓላሊፎም ዝተረኸቡ ኣሽከርከርቲ ኣብ ዘለዉሉ ቦታ ኮይኖም ቅፅዓቶም ንኽኸፍሉ ዝሕግዞም ኢዩ ምባሉ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ክፍሊት ብሕብረት ስራሕ ባንኪ ኦሮሚያን ኣገልግሎት ኢ-ብር ብዝህቡ ውልቀ ባንኪታትን ኣቢሉ ዝፍፀም ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.