Fana: At a Speed of Life!

ቋንቋታት ትግርኛ ኣምሓርኛ፣ ኦሮምኛን ሶማሊኛን ንማሽን ናይ ምምሃር ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸል ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ቋንቋታት ትግርኛ ኣምሓርኛ፣ ኦሮምኛን ሶማሊኛን ንማሽን ናይ ምምሃር ስራሕቲ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሰብ ስራሕ ናይ ምስትውዓል ማሽን፥ ሰብ ስራሕ ክእለት ምሕሳብ ክህልዎም ብምግባር ብዘይ ሓገዝ ሰባባት ስረሖም ንኅሰርሑ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ኢዩ።

ማእኸል ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ምስ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ብምትሕብባር ዘዳለዉዎ “ሰብ ስራሕ ምስትውዓል ንኹሉ” ብዝብል መሪሕ ቓል ቀዳማይ ዓውደ መፅናዕቲን ዓውደ ርእይን ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጣየሸ እቲ ማእኸል፥ ኣብ ዘፈራት ፋይናንስ፣ ትራንስፖርት፣ ጥዕና፣ ቋንቋ፣ ሕርሻን ካልኦት ዘፈራትን ዝሰርሖምን እናሰርሖም ዝርከቡን ስራሕቲ ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ ቀሪቦም።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብረሃም በላይ፥ እቲ ማእኸል ኢትዮጵያ ዝሃቀነቶም ምህናፅ ዲጂታል ኢኮኖሚ ጋህዲ ንምግባር ዝሕግዙ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ዋና ዳይሬክተር ማእኸል ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና ብግደኦም ቋንቋት ኢትዮጵያ ዓለም ለኻዊ ንምግባር ብሰብ ስራሕ ናይ ምስትውዓል ማሽን ክመሃሩ ንምግባር እናተሰርሐ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ማእኸል ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብ ስራሕ ቴክኖሎጂ ምስትውዓል ንኽመርሕን ክድግፍን ሓላፍነት ዝተውሃቦ ትካል ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.