Fana: At a Speed of Life!

በዓል ልደት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ብድምቀት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ልደት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ብዘለዉ ሰዓብቲ እምነት ክርስትናቀ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ።

ቢቢሲ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽበር ዘሎ በዓል ከምዝበሎ፥ ብፍላይ ኣብ ላሊበላ ቅድስት ማሪያም ቤተክርስቲያን ብካህናት ዝተመርሐ ሃይማኖታዊ ስርዓይ ይኽበር ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዘለዉ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ኣብዝሕኦም ኣቆፃፅራ ጁሊያን መሰረት ብምግባር በዓል ልደት ዘኽብሩ ኢዮም።

ሩሲያን ዩክሬንን ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም እቲ ዝገዘፈ ኲናት የካይዳ እኳ እንተሃለዋ ኣብ ክሊ እዚ ብምዃን በዓል ልደት ሎሚ መዓልቲ የኽብራ ኣለዋ።

ኣብዝሓ ሰዓቢ እምነት ኦርቶዶክስ ኣብ ምብራቕ ኣውሮፓ ዝርከብ እንትኸውን፥ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ነቲበዓል የኽብርዎ ኣለዉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.