Fana: At a Speed of Life!

በዓል መስቀልን ኢሬቻን ንምኽባር ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝመፅ ኣጋይሽ ኣብ ሆቴላት ፅቡቕ ኣቀባብላ እንግዶትን ክፅበዮም ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መስቀልን ኢሬቻን ንምኽባር ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝመፅ ኣጋይሽ ኣብ ሆቴላት ፅቡቕ ኣቀባብላ እንግዶትን ከምዝፅበዮም ማሕበር ወነንቲ ሆቴላት ኣፍሊጡ።

ንበዓል ኢሬቻ ዕድመ ዝተገበረሎም ካብ 400 ክሳብ 500 ናይ ውሽጢ ዓዲን ወፃን ኣጋይሽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትዉ ኢዮም ዝብል ትፅት ኣሎ።

መካየዲ ስራሕ እቲ ማሕበር ኣይተ ኣምሃ በቀለ ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ ሆቴላት እቲ በዓል ንምኽባር ዝመፅኡ ኣጋይሽ ንምቕባል ኣድላዪ ምድላወን ዛዚመን ኢየን፡፡

ሆቴላት ንዕዳጋ ውሽጢ ዓዲ ትኹረት ብመሃብ ኣገልግሎት እቲ ዓውዲ ንምድንፋዕ ክሰርሓ ከምዘለወን እውን ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ዓበይቲ ሆቴላት ንኣጋይሽ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ማዕረ ትኹረት ንኽህባ እቶም መካየዲ ስራሕ ሓቲቶም።

ኣጋይሽ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ምቹው ንምግባር፥ ማሕበር ወነንቲ ሆቴላት ምስ ባህሊን ቱሪዝምን፣ ምስ ኣጎብነይቲን ትካላት ኣካረይቲ ተሸከርከርቲን ብምዃን ተዋዲዱ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.