Fana: At a Speed of Life!

በዓል መዚ ኮሙዩኒኬሽን ኢትዮጵያ 12 ሕቶ ድልየታት ፍቓዳት ቴሌኮሙዩኒኬሽን ከምዝተቐበለ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ ኮሙዩኒኬሽን ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ትካላት ቴሌኮም 12 ሕቶ ድልየታት ክልተ ፍቓዳት ቴሌኮሙዩኒኬሽን ከምዝተቐበለ ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል መዚ ምስቶም ፍቓዳት ብዝተተሓሓዘ መግለፅታት ድልየት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዕላዊ ከምዝገበረ ኣዘኻኺሩ።

ብመሰረት ዘቐመጦ ገደብ እዋን 12 ሕቶ ድልየታት ክልተ ፍቓዳት ቴሌኮሙዩኒኬሽን ከምዝተቐበለ ድማ ኣፍሊጡ።

ካብእቶም ሕቶታት ዘቕረቡ እቶም ትሽዓተ ኣብ ዓውዲ ቴሌኮም ዝሰርሑ ዓለም ለኻዊ ትካላት እንትኾኑ፥ እቶም ክልተ ድማ ካብቲ ዓውዲ ወፃእ ዝሰርሑ ኢዮም ተባሂሉ።

ቮዳኮም፣ ሳፋሪኮም፣ ኢቲሳላት፣ ኣዢያን፣ ኤም ቲ ኤን፣ ኦሬንጅ፣ ኩባኒያ ቴሌኮም ስዑዲ ዓረብ ሓዊሱ ብዙሓት ዓለም ለኻዊ ትካላት ካብቶም ሕቶ መዘቕረቡ ተረቋሕቲ ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.