Fana: At a Speed of Life!

በዓል ኢሬቻ ሰላም፣ ምትሕብባር፣ ኢትዮጵያዊ ሓድነትን ባህላዊ ክብሪታቱን ብዝሓለወ መልክዑ ክኽበር ይግባእ – ኣባ ገዳታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኢሬቻ ሰላም፣ ምትሕብባር፣ ኢትዮጵያዊ ሓድነትን ባህላዊ ክብሪታቱን ብዝሓለወ መልክዑ ክኽበር ከምዝግባእ ኣባ ገዳታት ፀዊዖም።

ኣባ ገዳ ቱለማን ፀሓፊ ሕብረት ኣባ ገዳታት ኦሮሞጎበና ሆላ ከምኡ እውን ኣባ ገዳ ጉጂን ኣካቢ ሕብረት ኣባ ገዳታት ኦሮሞ ጂሎ ማኖ÷ ን2015 ዓ.ም በዓል ኤሬቻ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

በዓል ኢሬቻ ኣብ ዓመት ክልተ ግዘ ዝኽበር እንትኸውን÷ ካብ መከራ ናብ ተሰፋ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን ምስግጋሩ ኣመልኪቱ ንፈጣሪ ምስጋና ዝቐርበሉ ስርዓት ከምዝኾነ እቶም ኣባ ገዳታት ኣብሪሆም።

ኢሬቻ መግለፂ ሰላም፣ ይቕሬታ፣ ሓድነትን ሰናይ ተግባርን ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ኣባ ገዳታት÷ ክብሩ ብዝሓለወ መልክዑ ክኽበር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

እቲ በዓል ኢትዮጵያዊ ክብሪ ከምዝኾነ ብምሕባር ነዚ ምጉላህ ከምዝግባእን ንዕዱማት እቲ በዓል ግቡእ ኣገልግሎት ብምሃብን መግለፂ ሓድኑ ብተግባ ምርኣይ ይግባእ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.