Fana: At a Speed of Life!

በዓል ኢሬቻ እዚ ዓመት ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ንሰጋገረሉን ዓወት ኣብ ልዕሊ ዓወት ነመዝግበሉን ንኽኸውን ይምነ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኢሬቻ እዚ ዓመት ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ንሰጋገረሉን ዓወት ኣብ ልዕሊ ዓወት ነመዝግበሉን ንኽኸውን ይምነ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ኢሬቻ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም÷ “በዓል ዋና ስርዓት ገዳ ንዝኾንካ ህዝቢ ኦሮሞን መላእ ኢትዮጵያውያንን ካብ እዋን ክረምቲ ናብ ብርሃናዊ ወቕቲ ቀውዒ እንኳዕ ብሰላም ተሰጋገርኩም፤ እንኳዕ ደስ ለኩም” ኢሎም፡፡

“ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ፀገማት ከምኡ እውን ካብ ዓብዪ ክሳብ ንኡሽተይ ፀላእቲ ዘንፀላለዉዎ ሓደጋ ሓሊፉ ንብርሃን ቀውዒ ዘብቀዐና ፈጣሪ ምስግና ይብፀሓዮ” ኢሎም፡፡

ኦሮሞ ብዝወረሶ ክብሪ ክረምቲ ሓሊፉ ቀውዒ እንትኣቱ ፈጣሪኡ ከምዘመስግን ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ከም በዓል ኢሬቻ ዝበሉ ዓበይቲ በዓላት ከም መሳርሒ መጠናኸሪ ሓድነት ሒዝና፤ ኣብ ሓፂርን ነዊሕን ግዘ ዝሓዝናዮ ጉዕዞ ምዕባለ ንምትዕንቓፍ ዝተኸፈቱና ወፍሪታት ኩሎም ብምሕላፍ ዝሓዝናዮ ራኢ ንምዕዋት ብሓድነት ክንሰርሕ ይፅዕ” ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

“ኣብ ታሪኽ ብሓድነት እምበር ብኣፈላላይ ተኸቢርና፣ ተፈሪሕና ይኹን ስዒርና ኣይንፈልጥን” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒትስር÷ “ሓደ ኮይንና ጠጠው እንትንብል ብኹሉ ግምባር ዓወት ከምንጎናፀፍ ርኢና ኢና፤ ዝኾነ ይኹን ዝሽረሐልና ሽርሒ ክነፍሽል ከምንኽእል ብጭቡጥ ኣርኢና ኢና” ኢሎም።

ሕዚ እውን ናፅነትን ሉኣላውነትን ኢትዮጵያ ዝፈታተኑ ፀላእቲ ከምዘለዉ ብምሕባር÷ “ካብ መገዲና ግን ከሰናኽሉና ኣይኽእሉን” ክብሉ ገሊፆም።

ናይ ስራሕ ባህሊ ብምምሕያሽ ኣብ ኩሎም ዝተዋፈርናሎም ዓውዲታት ንምስዓር ብሕራነ ምትጋህ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

“ፀገም ናይ ምፅዋርዓቕምና ብንቕሓት ተወዲብናካ ሓድነትና ብምሕላው ብጭቡጥ ሰሪሕና ብዘርአናዮ መጠን ኣብ ፀገምን ፈተናን ካብ ዝሓለፍናዮ ልምዲ ተማሂርና ኢና ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መልእኽቶም÷ “በዓል ኢሬቻ እዚ ዓመት ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ንሰጋገረሉን ዓወት ኣብ ልዕሊ ዓወት ነመዝግበሉን ንኽኸውን ይምነ” ክብሉ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.