Fana: At a Speed of Life!

በዓል ኢሬቻ እዚ ዓመት 23ን 24 መስከረም 2013 ዓ.ም ተኸቢሩ ክውዕል ኢዩ – ኣባ ገዳታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)በዓል ኢሬቻ እዚ ዓመት 23ን 24 መስከረም 2013 ዓ.ም ተኸቢሩ ከምዝውዕል ኣባ ገዳታት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣፍሊጦም።

ብመሰረት እዚ በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ 23 መስከረም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፤ በዓል ኢሬቻ ሆራ ኣርሰዲ ድማ 24 መስከረም 2013 ዓ.ም ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ከምዝኽበር ገሊፆም።

በዓል ኢሬቻ በቢዓመቱ ብሚሊየን ዝቑፀሩ ሰባት ኣብዝተረኸቡሉ እናተኸበረ ከምዝፀንሓ ዝገለፁ እቶም ኣባ ገዳታት፥ በዓል ኢሬቻ እዚ ዓመት ግን ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝኽበር ኣብሪሆም።

ኣብ በዓል ኢሬቻ ዝሳተፉ ሰባት ቁፅሮም ሰብ ሞያታት ጥዕና ብዝህቡዎ ምኽሪ መሰረት ብምግባር ዝውሰን ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

እቶም ኣባገዳታት፥ በዓል ዋና ስርዓት ገዳ ዝኾነ ህዝቢ ኦሮሞ እቲ በዓል ሕማም ቫይረስኮሮና ኣብ ግምት ብምእታው ከኽብሮ ይግባእ ክብሉ ፃውዒት ምቕራቦም ካብ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.