Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዒድ ኣልፈጥር ብሰላም ንክኽበር ዘኽእል ምድላው ከምዝገበረ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ዒድ ኣልፈጥር ብሰላም ንክኽበር ዘኽእል ምድላው ከምዝገበረ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ንሰዓብቲ እምነት እስልምና እንኳዕ ንዒድ ኣልፈጥር ብሰላም ኣብፀሐኩም ኢሉ።

ልክዕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኸበሩ በዓል ፋሲካን መርሃ ግብሪ ኢፍጣርን፥ በዓል ዒድ ኣልፈጥር እውን ብሰላም ንክኽበር ዘኽእል እኹል ምድላው ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ተልእኹኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት ሃገርናን ብቑርፀኝነት ይዋፃእ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ይኸን እንበር መነግስቲ ነቲ በዓል ፍሉ ትኹረት ብምሃብ ይሰርሕ ኣብ ዘለሉ እዋን ሃይማኖት ጉልባብ ብምግባር ውሱናት ሓይሊታት ፀረ ሰላም ህዝቢ ንምስሕሓትን ስርዓት አምነት ካብ ዝፈቕዶ ወፃእ ምእመናን ናብ ጎንፂ ንምእታውን ዘኽእል ምንቅስቓስ ይገብሩ ከምዘለዉ ገሊፁ።

ኣብ ከተማ ጎንደር ብምኽኒያት መቓብር ቦታ ኣብ መንጎ ሰዓብቲ እምነት እስልምኝናን ክርስትናን ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ጎንፂ ከምዘጋጠመ ብምግላፅ እቲ ጎንፂ ብጉልባብ ሃይማኖት ንምጉህሃር ዝግበር ፃዕሪ እኩይ ዕላማ ንዘለዎም ሓይሊታት ፀረ ሰላም ዕድል ስለ ዝፈጥር ኩሎም ትካላት ሃይማኖት ዘጥፍኡ ኣካላት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ንዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ክሕግዙ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ስልጤ ከተማ ወራቤ እቲ ጎንፂ ንምብእኣስ ብዝመስል መገዲ ኣብ ልዕሊ ቤተ እምነት ዝበፅሐ ባርዕን ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ዝበፅሐ ሞትን እምነታት  ክርስትና ይኹን እስልምና ኣይውክልን ኢሉ።

በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ከተማ ጎንደር ይኹን ወራቤ ብዝጠፍአ ህይወትን ኣብ ለዕሊ ትካላት እምነት ብዘጋጠመ ዕንወትን ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ።

ኣብ ዝኾነ ይኹን እምነት ተሓቢኦም እቲ እምነት ካብ ዝፈቕዶ ወፃእ ዝተፈላለዩ መንቅስቓሳት ፀረ ሰላም ዝገብሩ ጉጅለታትን ውልቀ ሰባትን ኣብ ምቅላዕን ንሓይሊታት ፀፅታ ኣሕሊፍካ ኣብ ምሃብን ህዝቢ ዝተለመደ እወንታዊ ምትሕብባር ክገብር ፃውዒት ቀሪቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.