Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዓወት ዓድዋ ብድምቀት ንምኽባር ዘኽእሉ ምድላዋት ይሳለጡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕለተ ሰኑይ 23 ለካቲት ዝኽበር መበል 124 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ብድምቀት ንምኽባር ዘኽእሉ ምድላዋት ይሳለጡ ምህላዎም ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኩሉሻብ በብዓመቱ ለካቲት 23 ዝኽበር በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ከተማ ዓድዋ ብድምቀት ከም ዝኽበርን ዛጊድ ድማ ዝተፈላለያ ኮምቴታት ተጣይሸን ኣብ ምሽብሻብ ከም ዝርከብ ኢዩ ኣብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ መተሓባበሪት ርክብ ህዝቢ ወይዘሮ ኢትዮጵያ ሕሉፍ ገሊፀን።

በዓል ዓወት ዓድዋ፥ ኢትዮጵያዉን ወለድና ሓድነቶም ኣስጢሞም ከም ንህቢ ኣብ ሓደ ዓሲሎም ወራሪ ሓይሊ ዝመከትሉ በዓል ኢዩ ኢለን።

ኣብቲ ታሪኻዊ ስርሒት፥ ጀጋኑ ኢትዮጵያዉያን ብሕልፊ ድማ ከም ፈላማይ ኣፍሪካዊ ጀነራል ኣሉላ ኣባነጋን ባሻይ ኣዉዓሎምን ዝበሉ ቀዳሞት ጀጋኑ ልዑል እጃም ከም ዝነበሮምን ተጋሩ ሉኣላዉነት ሃገር ኣብ ምኽባር ልዑል ግደ ከምዝፈፀሙን እተን መተሓባበሪት ገሊፀን።

ሃገርና ንወፃኢ ወራሪ ሓይሊ ኩሉሻብ ኣሕፊራ ከም እትምልስ ብምግላፅ ብፍላይ ወርሒ ለካቲት ተጋሩ ድርብ ዓወት ዝሓፍሱላ ከም ዝኾነት ወሲኸን ገሊፀን።

ሎሚ ዓመት ንመበል 124 ግዘ ዝኽበር በዓል ዓወት ዓድዋ፥ ቀዳሞት ወለድና ብብርኪ ዓለም ንፈለማ እዋን ፀለምቲ ኣፍሪካያዊያን ንፀዓዱ ኣዉሮፓዉያን ዝስዓርሉን ኣንበርኪኾም ዝመለስሉን ታሪኽ ክም ዝኾነ ዝገለፃ ወይዘሮ ኢትዮጵያ፥ እቲ ዘኹርዕ ታሪኽ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንክሰጋገር ይስራሕ ኣሎ ኢለን።

ቀዳሞት ወለድና ዘመናዊ ኣፅዋር ኣየርን ታንክን ክሳብ ኣፍንጭኡ ምስ ዝተዓጠቐ ሰራዊት ጣልያን ገጢሞም ብፅንዓት ዝስዓርሉ ዘኹርዕ ታሪኽ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን።

ኣብቲ በዓል፥ ምስ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ብምትሕብባር ፓነል ምይይጥ ከም ዝሳለጥን ጉያ ናብ እምባ ሶሎዳን ዑደት ናብ ታሪኻዊ ቦታታት ዓድዋ ሓዊሱ ካልኦት ኣድለይቲ ንጥፈታት ከም ዝሳለጡ እውን ተዛሪበን።

ህዝብታት ኢትዮጵያ ሃገራዊ ሓድነቶም ኣስጢሞም ሐዚ እዉን ናይ ወፃኢ ሓይሊ ብሓባር ብምምካት ሉኣላዉነት ሃገሮም ከኽብሩን ኣብ ልዕሊ ድኽነት ድማ ሓበራዊ ጥሙር ቅልፅም ከዕርፉ ከምዘግባእ ኣተሓሳሲበን።

በዓል ዓወት ዓድዋ ንመስሕብ ቱሪዝም ብምዉዓል ናብ ረብሓ ህዝቢ ንምልዋጥ ይስራሕ ከም ዘሎ እውን ወይዘሮ ኢትዮጵያ ገሊፀን።

ቀፃሊ ሰኑይ 23 ለካቲት 2012 ዓ.ም ዝኽበር መበል 124 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ፥ ካብ ኩሎም ኩርናዓት ኢትዮጵያ ዝተዉፃእፅኡ ኣጋይሽ ከምዝሳተፉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.