Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዓይኒ ዋሪ “ኮሮና እናተኸላኸልና ዓይኒ ዋሪ ኣብ ገዛና” ብዝብል መሪሕ ቃል ክኽበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓይኒ ዋሪ፥ ካብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ማእኸላይ ዞባ ዝመፅኣ ጎራዙ ሓዊሱ ደቂ ኣንስትዮ ከተማ ኣኽሱም ደሚቐን ዝውዕላሉን ባህለን ዝዕቅባሉን ብዓል’ዩ።

ብምዃኑ “እንኳዕ ንበዓል ዓይኒ ዋሪ ብሰላም ኣብፀሐክን ኣብፀሐና” ዝበለ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፥  በዓል ዓይኒ ዋሪ ካብ 24 ነሓሰ ጀሚሩ ዝበዓል ክቡር ሃይማኖታውን ባህላውን በዓል እዩ ኢሉ።

እዚ በዓል ኩልሻብ ደቂ ዓይኒ ዋሪ ተኣኪበን ዘብዕለኦ ምዃነን ግልፂ እዩ፤ ይኹን’ምበር በዓል ዓይኒ ዋሪ ሎሚ ዓመት ብሰንኪ ምህላው ቫይረስ ኮሮና እቲ በዓል ተኣኪብካ ምብዓል ንዝለዓለ ሓደጋ ዘሳጥሕ ኢዩ።

ስለዝኾነ “ኮሮና እናተኸላኸልና ዓይኒ ዋሪ ኣብ ገዛና” ብምባል እቲ በዓል ኣብ ገዛ ኮይንኻ ዝኽበር ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ከምቲ ደቂ ኣሸንዳ “ኮሮና እናተኸላኸልና ኣሸንዳ ኣብ ገዛና” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብምትግባር እቲ በዓል ብሰላም ልክሓልፍ ዝገበራ፥ ደቂ ዓይኒ ዋሪ እውን እዚ በዓል “ኮሮና እናተኸላኸልና ዓይኒ ዋሪ ኣብ ገዛና “ ኢልክን እቲ በዓል ብሰላም ንክሓልፍ ዝከኣለክን ኩሉ ከምእተበርክታ መንግስቲ ትግራይ ይኣምን ኢሉ።

በዓል ኣሸንዳ/ማሪያ 16 ነሓሰ ኣብ መብዛሕቲአን ከተማታትን ገፀር ወረዳታትን ዝኽበር ሃይማኖታዊ በዓል እንትኸውን፥ ዓይኒ ዋሪ ድማ 24 ነሓሰ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝኽበር ኢዩ።

ዓይኒ ዋሪ፥ ካብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ማእኸላይ ዞባ ዝመፅኣ ጎራዙ ሓዊሱ ደቂ ኣንስትዮ ከተማ ኣኽሱም ደሚቐን ዝውዕላሉን ባህለን ዝዕቅባሉን ብዓል’ዩ።

ብመሰረት እዚ ዓይኒ ዋሪ ኣብ ህዝቢ ፍቕሪን ሓድነትን ንክህሉ ካብ ዝህቦ ረብሓ ብተወሳኺ ንመስሕብ ቱሪዝም ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ይግለፅ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.