Fana: At a Speed of Life!

በዓል ጥምቀት ኣብ ሃገርና ብድሙቕ ምኽባሩ ግጉያት ፀብፃባት ገለ መራኸብቲ ሓፋሽ ምዕራባውያን ዘቃለዐ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ጥምቀት ኣብ ሃገርና ብድሙቕ ምኽባሩ ግጉያት ፀብፃባት ገለ መራኸብቲ ሓፋሽ ምዕራባውያን ዘጋልፅን ሓቂ ኢትዮጵያ ንዓለም ብዝግባእ ዘርኣየ እዩ ክብሉ በዓል ጥምቀት ኣብ ኢራንቡቲ ዘኽበሩ ዳያስፖራታት ተዛሪቦም።

ኣብ ኣሜሪካን ካናዳን ንንውሕ ዝበሉ ዓመታት ዝተቐመጡን ፃውዒት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ተቐቢሎም ናብ ሃገር ዝመፁን ኣይተ ኤርሚያስ መኮንን’ን መንእሰይ ሄርሜላ ተድላን፥ ጥምቀት ኣብ ሃገሮም ብፍላይ ኣብ ኢራንቡቲ ብድሙቕ ብምኽባሮም ከምዝተሓጎሱ ገሊፆም።

ዜጋታት ወፃኢ ካብ ኢትዮጵያ ንክወፁን ካብ ወፃኢ ናብ ውሽጢ ዓዲ ንከይኣትዉ ፀቕጥታት እኳ እንተበዝሑ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያን ከምኡ እውን ፈተውቲ ኢትዮጵያ ግን ነቲ ፀቕጢ ተፃዊሮም ጥምቀት ብድሙቕ ከኽብሩ ከምዝኸኣሉ ተዛሪቦም።

“እዚ ሓድጊ ዓለም ዝኾነ በዓል ጥምቀት ብድሙቕ ምኽባርና ንማሕበረሰብ ዓለም ሃገርና ሰላም ምዃና ብዝግባእ ዘርኣየ እዩ” ዝበሉ እቶም ዳያስፖራታት፥ ኣብ ኢራንቡቲ ዘሎ ኣከባብራ በዓል ጥምቀት እውን ብዝግባእ ካብ ምፍላጥ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ፍፁም ሰላም ምዃና መርኣያ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

44 ታቦታት ኣብ ሓደ ቦታ ዝዓርፉሉ ኢራንቡቲ ጥምቀተ ባሕሪ ኣምሳለ ዳግማዊ ዮርዳኖስ ካብ ከተራ ጀሚሩ ብድሙቕ እናተኸብረ እንትኸውን፥ ሎሚ መዓልቲ ብቃና ዘገሊላ ክዛዘም እዩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.