Fana: At a Speed of Life!

በዓል ጥምቀት ኣብ ጎንደር ምኽባር ፍሉይ ሓጎስን ስምዒትን ኣለዎ – ዶ/ር ይልቃል ከፍኣለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ጥምቀት ኣብ ጎንደር ምኽባር ፍሉይ ሓጎስን ስምዒትን ከምዘለዎ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፍኣለ ገሊፆም።

ጎንደርዘለዋ ባህሊን ሓድጊን ብዝግባእ እንተጠቒማ ኣብ ዓውዲ ሪዝም ልዑል ግደ ክትፃወት ከምትኽእል እቶም ርእሰ መምሕዳር ተዛሪቦም።

በዓል ጥምቀት ዝኽበረሉ ባሕረ ጥምቀት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፍቓድ ብናይ ቀደም ሽሙ ባህረ ጥምቀት ሃፀይ ፋሲለደስ ተባሂሉ ንኽፅዋዕ እውን ገሊፆም።

ብወፍሪ የኣክል ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ዘሕደሩ ዳያስፖራታት ልዑል ምስጋና ኣቕሪቦም።

በዓል ጥምቀት ብሰላማዊን ፍሉይ ድባብን ምኽባር ምኽኣሉ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ቅልፂ ከምዝኾነ እውን ዶክተር ይልቃል ተዛሪቦም።

“ኢትዮጵያውያን ምትሕብባር ከቐድሙ እንተኽኢሎም ውፅኢት ከመዘግቡ ከምዝኽእሉ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ኣርኢዩ ኢዩ” ኢሎም።

ተቐዳሚ ምክትል ከንቲባ ከተማ ጎንደር ዘውዱ ማለደ ብግደኦም፥ በዓል ጥምቀት ንምኽባር ኣብቲ ቦታ ንዝተረኸቡ ኣጋይሽ ኣመስጊኖም።

ኣብ ከተማ ጎንደር እናተኸበረ ኣብ ዝርከብ በዓል ጥምቀት፥ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዞባ ምዕራብን ማእኸላይን ጎንደር ኣቡነ ዮሃንስን ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኦሃዩን ከባቢኣን ኣቡነ ሰላመ ተረኺቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገርን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.