Fana: At a Speed of Life!

በዓል ፋሲካ ብድምቀት ኽኽበር ምድላው ከምዝገበረ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ፋሲካ ኣብ መላእ ሃገር ሕብረተሰብ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀግም ፀፅታ ብድምቀት ንኸኽብር እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ደመላሽ ገብረሚካኤል፥ በዓል ፋሲካ ኣመልኪቶም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል፥ በዓል ፋሲካ ንህዝቢ ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉ ሰላምን ድሕንነትን ዜጋታት ንምኽባር ብዙሓት ስራሕቲ ፀፅታ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም።

እቲ ኮሚሽን፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት እናበፅሐ ዝርከብ መጥቃዕቲ ንምፍሻል ምስ ካልት ኣካላት ፀፅታ ብምውዳድ ልዕልነት ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ እናካየደ ከምዝኾ እውን ሓቢሮም።

ሕብረተሰብ ኣብ መላእ ሃገር ዝኽበር በዓል ፋሲካ ብዘይዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ብድሙቕ ኩነታት ንኸኽብር፥ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል እኹል ምድላው ከምዝገበረን ኣባላት ፖሊስ ኣብ ልሙድ ምድላዎም ከምዝርከቡን ኣረጋጊፆም።

እቲ በዓል በዓል ሰላም፣ ጥዕናን ፍቕሪን ንኽኸውን ሰናይ ትምኒቶም ምግላፆም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.