Fana: At a Speed of Life!

ባንኪታት ካብ ዝእክበኦ ዝተፃረየ ዕቋር ኣብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ንኸቐምጣ ዝግደዳሉ መጠን መጠባበቒ ካብ 5 ሚኢታዊ ናብ 10 ሚኢታዊ ክብ ክብል ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 1 መስከረም 2021 ጀሚሩ ባንኪታት ካብ ዝእክበኦ ዝተፃረየ ዕቋር ኣብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ንኸቐምጣ ዝግደዳሉ መጠን መጠባበቒ ካብ 5 ሚኢታዊ ናብ 10 ሚኢታዊ ክብ ክብል ከምዝተወሰነ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ምጣነ መደንፍዒ ወለድን መጠባበቒ ባንኪታትን ኣመልኪቱ መግለፂ ኣውፂኡ፡፡

ኣብ መግለፂኡ ድማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1 መስከረም 2021 ጀሚሩ ባንኪታት ካብ ዝእክበኦ ዝተፃረየ መጠን ዕቃር ኣብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ንኸቐምጣ ዝግደዳሉ መጠን መጠባበቒ ካብ 5 ሚኢታዊ ናብ 10 ሚኢታዊ ክብ ክብል ምውሳኑ ኣፍሊጡ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ባንክታት ንሓፂር እዋን ዝገጥመን ሕፅት ገንዘብ ንምፍታሕ ካብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዝልቀሐኦ ዓመታዊ ወለድ ምጣኔ ካብ 13 ሚኢታዊ ናብ 16 ሚኢታዊ ክብ ተገይሩ ኢዩ ክብል ኣብ መግለፂኡ ኣመላኺቱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.