Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ልምዓት ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ኣጠናኺሩ ንምቕፃል ድልው ከምዝኾነ ገሊፁ

 

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ልምዓት ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ኣጠናኺሩ ንምቕፃል ድልው ከምዝኾነ ገሊፁ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተሾመ ቶጋ ምስ ሓላፊ ጄነራል ዓለም ለኸ ምትሕብባር ዲፓርትመንት ኣሜሪካን ኣፍሪካን ቢያን ሺዩን ተዛቲዮም።

ኣብቲ ዘተ ኣብ መንጎ ባንኪ ልምዓት ቻይናን ኢትዮጵያ ዘሎ ምትሕበባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፀል ተገሊፁ።

ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19ን ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ጎንፂን ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ብምግላፅ፥ እቲ ኢኮኖሚ ነዚ ተፃዊሩ ኣብ ምዕባይ ከምዘሎን ተስፋ ወሃቢ ከምዝኾነን ተገሊፁ።

እቲ ባንኪ ኣብ ከይዲ ንዘለዉ ፕሮጀክትታት ልምዓትን ንትካላት ፖሊሲ ፋይናንስ ኢትዮጵያ ዝግበር ደገፍ ከምኡውን ኣብ መበል ሻምናይ ፎረም ትሕብብር ቻይናን ኣፍሪካን ኮንፈረንስ ሚኒስትራት ዝግበር ደገፍ ተጠናኺሩ ንክቕፅል እቶም ኣምባሳደር ፃውዒት ምቕራቦም ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.