Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንመፅናዕቲ ኣዋፃኣይነት ፕሮጀክት ባቡር ኢትዮ – ሱዳን ዝውዕል 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሓገዝ ኣትዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቦርድ ዳይሬክተራት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንመፅናዕቲ ኣዋፃኣይነት ፕሮጀክት ባቡር ኢትዮ-ሱዳን ዝውዕል 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሓገዝ ኣትዲቑ።

1 ሺሕን 520 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎን ኣዲስ ኣበባን ካርቱምን ዘረኽብን እቲ ፕሮጀክት፥ ንኽህነፅ ብመንግስታት ክልትኢን ሃገራት ተቐባሊነት ምርካቡ ይዝከር።

እቲ ፕሮጀክት ባቡር፥ ካብ ካርቱም ሓሊፉ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ፓርት ሱዳን ዝራኸብ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ባንኪ ዘፅደቖ ሓገዝ፥ ንኣዋፃኣይነት መፅናዕቲ ካብ ዘድሊ 3 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ 35 ሚኢታዊ ዝሽፍን ምዃኑ ፀብፃብ ሎጂስቲክስ ኣፍሪካ የመላኽት።

ንመፅናዕቲ ኣዋፃኣይነት ፕሮጀክት ባቡር ኢትዮ – ሱዳን ዘድሊ ዝተረፈ 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዶላር ብኔፓድ ብምድላው ፋሲሊቲ ፕሮጀክት መሰረተ ልምዓት ኔፓድ ብሓገዝ መልክዕ ክሽፈን ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያን ሱዳንን ነቲ መፅናዕቲ ዝሀውን ሕድሕደን 100 ሺሕ ዶላር ኣሜሪካ ወፃኢ ከምዝገብራ ተሓቢሩ።

ክለተ ዓመታት ዝወስድ እቲ መፅናዕቲ ኣዋፃኣይነት ቴክኒካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ከባቢያዊን ተሰማዕነት ከምኡ እውን ኣማራፂ ፋይናንስ ዝድህስስ ኢዩ።

እቲ ባንኪ ኢትዮጵያን ሱዳንን ሓዊሱ ሃጋገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ዘተኣሳስሩ ዓቢዪ ዓቕሚ ዘለዎም መገዲታት ዘይምህላዎም፤ ኣብ ንግዲ፣ ልምዓትን ዞባዊ ውህደትን ክፍተት ምፍጣሩ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.