Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ልምዓት ደቀቕቲ፣ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት ንምጥያሽ ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ዳህሳስ መፅናዕቲ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ልምዓት ደቀቕቲ፣ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት ንምጥያሽ ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ዳህሳስ መፅናዕቲ ተሳሊጡ።

ኤጀንሲ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ውሕስና ምግቢን ፌዴራል ፀገም ፋይናንስ ደቀቕቲ፣ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት ንምፍታሕን ባንኪ ልምዓት ደቀቕቲ፣ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት ንምጥያሽን ብዝብል ዘፅነዖ ዳህሳስ መፅናዕቲ እንትኸውን፥ ፈፀምቲ እቲ ዓውዲን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ሎሚ መዓልቲ ልዝብ ተኻይዱ።

ኣብ መኽፈቲ እተዲ መድረኽ መደረ ዘስምዑ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ገብረ መስቀል ጫላ፥ ደቀቕቲን ኣናእሽተይን ኢንተርፕራይዛት ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ወሳኒ ግደ ከምዘለዎም ስለዝተኣመነ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ እቲ ዓውዲ ንምልማዕ ልዑል ትኹረት ብመሃብ ስትራቴጂን ፖሊሲን ተሓንፂፁ ተግባራዊ እናተገበረ ምፅንሑ ገሊፆም።

ቴክኖሎጂ፣ ዕዳጋን ፋይናንስን ኢንተርፕራይዛት እናዓበየ ብምምፅኡ ልዑል ሕፅረት መበገሲን መስፋሕፍሒን ካፒታል ምህላዊ ሓደ ማሕለኻ እቲ ዓውዲ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ልምዓት ደቀቕቲ፣ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት ንምስፍሕፋሕ ዘጋጥሙ ዕንቅፋታት ብሓገዝ ፋናንስ ንምፍታሕ፤ ባንኪ ልምዓት ደቀቕቲ፣ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት ንምጥያሽ ዳህሳስ መፅናዕቲ ድሌት ከምዝተኻየደ ተዛሪቦም።

እቲ መድረኽ ዘተ፥ እቲ ባኒኪ ልምዓት ንምጥያሽ ኣብ ዝተዳለወ ረቂቕ ዳህሳስ ድሌት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተወሳኺ ሓበሬታታትን ርኢቶታትን ብምእካብ እቲ ሰነድ ንምድንፋዕ፣ ኣብ ቀፃ ድማ እቲ ባንኪ ብዛዕባ ኣዋፃኣይነት ዝጣየሸሉ መፅናዕቲን ካልኦት ጉዳያትን ቀፀልቲ ኣንፈታት ንምቕማጥ ከምዝተሰናድአ እቶም ዋና ዳይሬክተር ገሊፆም፡፡

ነቲ መድረኽ ዘተ ዝመርሑ ኮሚሽነር ፈጠራ ዕድል ስራሕ ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን ብግደኦም፥ እቲ ዝቐረበ መፅናዕቲ ካብ መንግስታዊ ድጋፋት ሓደ ቀረብ ፋይናንስ ዝምልከት ኢዩ ምባሎም ካብቲ ኤጀንሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.