Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሹድሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ 83 ቢሊየን ተቐማጢ ገንዘብ ኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሹድሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ 83 ቢሊየን ተቐማጢ ገንዘብ ክእክብ ምኽኣ ኣፍሊጡ።

እቲ ባንኪ ኣብ መንፈቕ ዓመት 2013 ዓ.ም 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሓደሽቲ ሒሳብ ቁፅሪታት ዘኽፈተ እንትኸውን፥ ናይ ትልሙ 221 ሚኢታዊ ብምግባር ተወሳኺ ብር 83 ነጥቢ 2 ቢሊየን ተቐማጢ ገንዘብ ክእክብ ክኢሉ ኢዩ።

ሓፈሻዊ ክዙን ተቐማጢ ገንዘብ እቲ ባንኪ እውን ብር 6778 ነጥቢ 7 ቢሊየን ዝበፅሐ እንትኸውን፥ እዚ ድማ ልዕሊ ትልሚ 107 ሚኢታዊ ከምዝተግበረ ተገሊፁ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ቁፅሪ ዓማዊል እቲ ባንኪ 27 ነጥቢ 5 ሚሊየን በፂሑ ተባሂሉ።

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሳለጡ ፕሮጀክታት ልምዓት ኣብቲ መንፈቕ ዓመት ብር 47 ነጥቢ 2 ቢሊየን ሓዱሽ ልቓሕ ኣቕሪቡ ኢዩ።

ሓፈሻዊ ባንኪ ባንኪ ንግዲ ብር 903 ነጥቢ 6 ቢሊየን ምብፅሑ ካብቲ ባንኪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.