Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ 6 ኣዋርሕ 31 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝኣከበ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ 31 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝኣከበ ኣፍሊጡ።

ፕሬዚዳንትን ዋና ኣፈፃሚ ስራሕን እቲ ባንኪ ኣይተ ባጫ ጊና ከምዝበልዎ፥ ካብ ውልቀ ባንኪታት 24 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ተቐማጢ ተኣኪቡ ኣሎ።

እቲ ባንኪ ካብ ዝሃቦም ዝተፈላለዩ ዓይነታት ልቓሕ ድማ 30 ቢሊየን ብር ከምዝተኣከበ ተዛሪቦም።

ሸርፊ ወፃኢ ክብ ብምባል ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ካብ ንግዲ ወፃኢ 139 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ፣ ካብ ሓወላ ወፃኢ 1 ነጥቢ 7 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተኣከበ እውን ገሊፆም።

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝህቦ ኣገልግሎት ንኹሉ ተበፃሒ ንምግባር ዓሊሙ ኣብ ዝሓለፈ ፈረቓ ዓመት 114 ቅርንጫፋት ከምዝኸፈተ ኣይተ ባጫ ሓቢሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.