Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ወጋገን ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ቅድሚ ካብ ታክሲ ወፃኢ ብ 1 ነጥቢ 1 ቢሊየን ትርፊ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባንኪ ወጋገን ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ቅድሚ ካብ ታክሲ ወፃኢ ብ 1 ነጥቢ 1 ቢሊየን ትርፊ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ባንኪ ወጋገን እዚ ዝበለ፥ መበል 27 ስሩዕ ጉባኤ ሰብኣክሲዮን እቲ ባንኪ ኣብ ዘሳለጠሉ እዋን ኢዩ።

ኣብቲ በጀት ዓመት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ብዝፈጠሮ ምዝሕሓል ምኽንያት ኣብ ኣከፋፍላን ኣተኣኻኽባን ልቓሕ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ምሕዳሩ ስዒቡ ምጣነ ወለድ ምንካይ ክምዘርኣየ ተገሊፁ።

ይኹን እምበር ምስ በጀት ዓመት 2018ን 2019 እንትነፃፀር እቲ ባንኪ 47 ሚኢታዊ ወይ ድማ ብር 342 ሚሊየን ብላጫ ከምዘለዎ ምክትል ኣካቢ ዳይሬክቶራት ቦርድ እቲ ባንኪ ኣይተ ተፈራ ሞላ ተዛሪቦም፡፡

ሓፈሻዊ ካፒታል እቲ ባንኪ ናብ ብር 5 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዝዓበየ እንትኸውን፥ ሓፈሻዊ ሃፍቲ እቲ ባንኪ ድማ ብር 38 ነጥቢ 2 ቢሊየን ከምዝበፅሐ ኣብቲ እዋን ተገሊፁ፡፡

ብቅድስት ብርሃኑ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.